BlueGlobe International
My status

Translation Services

Translation Services

Career With BlueGlobe

Banner
Banner
Banner

SAIC

"SAIC is a FORTUNE 500® scientific, engineering, and technology applications company that uses its deep domain knowledge to solve problems of vital importance to the nation and the world, in national security, energy and the environment, critical infrastructure, and health. BlueGlobe International LLC consistently provides language services on a global scale which meet the strict vendor standards required by SAIC."


Fulbright

"BlueGlobe cares .. our expectations were exceeded with accuracy and promptness. A long term relationship will benefit our firm and yours."


Crowell-moring

"Thanks again for extra-ordrinary services."


AAAS

"Friendly staff combined with unusual promptness and services will see our association always requesting BlueGlobe."

Unable to read content of this page?* For Translation - click flag

ኣገልግሎታት ትርጉም ትግርኛ

Tigrinya

ብሉግሎብ ኢንተርናሽናል - ብቑዓት ተርጐምቲ ይቕርብ

እቶም ዘለውና ኣገልግሎት ትርጉም ዝህቡ ብቑዓት ተርጐምቲ ትግርኛ፡ ሰፊሕ ፍልጠት ምንጪ ቋንቋ፣ ዝትርጐመሉ ቋንቋን ትሕዝቶ ጽሑፍን ዝውንኑ እዮም። ብሉግሎብ፡ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ልዑል ክእለትን ተሞክሮን ዘለዎም ተርጐምቲ ብምቑጻር፡ መርበባት ሓበሬታ፣ ኢ-መይል፣ ደብዳቤታት፣ መጽሔታት፣ ሕጋዊ ሰነዳት፣ ጽሑፋት ሕክምና፣ መምርሒ ተክኒካዊ ስርሓት፣ መጽሓፍቲ፣ መምርሒ ኣሰራርሓ መግቢ፣ መጽሓፍ ዝርዝር መግብታት (ሜኑ) ወዘተ .. ዋላውን ታቱ (ዕላመት)! ዘጠቓልል ዝኾነ ዓይነት ወይ ዓቐን ፕሮጀክት ክትርጉም ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ካብ ሰፊሕ ዓይነታት ዓውድታት ማለት ሕጊ፣ ፋይናንስ፣ ሕክምና፣ ተክኒክ፣ ዕዳጋ፡ ወዘተ ንትርጉም። ብጌጋ ዚተተርጐመ ንኸይህሉ ዓቢ ጥንቃቐ ብምግባር፡ ብሉግሎብ፡ ኩሉ ዚተቐበሎ ጽሑፋት ብመበቆላዊ (ነቲቭ) ተርጓሚ ትግርኛ ጥራይ ከምዚትርጐም ንዓማዊሉ ከረጋግጸሎም ድማ ይኽእል እዩ። እቲ ንሓደ ፕሮጀክት ክሰርሖ ዝምደብ ተርጓማይ፡ ኣብቲ ብዓሚል ዚቐረበ ዓውዲ ናይቲ ፕሮጀክት ዝተመስከረሉ ተሞክሮን ፍሉይ ፍልጠትን ከምዘለዎ ነረጋግጽ። ኣብ ልዕሊ እቲ መሰረታዊ ፍልጠት ድማ ፍጹም ዚኾነ ትርጉም ንኽህሉ ኣገዳስቲ ዝኾኑ መሰረታውያን “ጥበባት ቋንቋ” ድማ ዝርድኡ ከምዝኾኑ ይግበር።

Contact Us ሞያ ክትውንኑ ትደልዩ’ዶ?

ኣገልግሎታት ቋንቋ ንኽትህቡ ክእለትን ተውህቦን ዘለዎ በዓል-ሞያ ዲኹም? ከምኡ እንተድኣ ኴንኩም፡ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ንዘሎ መመልከቲ ቅጥዒ ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ንኽትመልኡ ንዕድመኩም፤ ካብ ግዜኹም ድማ 5-7 ደቓይቕ ጥራይ’ዩ ዚወስድ።

Contact Us ብቑዕ ዝደረጅኡ ምእራም ጽሑፍ!

ብቑዕን ዝተሞከረን ኣራሚ ጽሑፍ ዲኹም? ብፍሉይ ዓውዲ ትምህርቲ ዚተማህረ ወይ ዚሰልጠነ ዲኹም? በቲ ዘካይድዎ ኣገዳሲ ስራሕ ባህ ምስዝብሎም ተዛረብቲ መበቆላዊ ቋንቋ ተጸምበሩ!

Contact Us ክኢላዊ ዓቕሚ

ካልኣይ ብሉጽ ዚብሃል ነገር ኣብ ብሉግሎብ ኢንተርናሽናል ተቐባልነት የብሉን። ልዑል ብቕዓት፡ እቲ ልሙድ መምዘኒና እዩ። ዓማዊልና ድማ ብምኽንያት’ቲ እንህቦ ሰፊሕ ክኢላዊ ዓቕሚ ደጊሞም ይመጹና።

 
Contact Us ተወከሱና

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ኩባንያታት ኣባና እምነት ኣለወን
... ንስኹም ድማ ከምአን ኣባና እምነት ከተሕድሩ ኢኹም

Telephone:
+1.541.330.0450
+55.21.2262.1793
+91.172.2561020
Mobile:
+1.541.213.8526
+55.21.2262.1793
+91.981.4535577
Fax (USA-Argentina-India):
+1.541.330.0451
+55.21.2262.1793
+91.172.2561020

www.blueglobetranslations.com

 

ኣብዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ትርጉም ንህብ - 160 ቋንቋታት

ዓረብኛ እብራይስጢ
ቻይንኛ ጥልያንኛ
ዳች ጃፓንኛ
እንግሊዝኛ ላቲን
ፈረንሳይኛ ፖርቱጋልኛ
ጀርመንኛ ሩስያኛ
ግሪኽ ስጳንኛ
ኩሎም ቋንቋታትን ተወሰኽትን

Professional Translation Services Company

Request a Quote

ንምንታይ ንብሉግሎብ ኢንተርናሽናል ትመርጹ?

ምኽንያቱ፡ ኣብ ስራሕና ዓቢ ኣኽብሮት ስለእንህብን ኣብ እነምጽኦ ውጽኢት ስለንግደስን እዩ! ኣብ ኣገልግሎታት ቋንቋ (ትርጉም፣ ምስትርጓም፣ ምድላው ቅዳሕ መዋዕውዒ ጽሑፍ፣ ምርዓም ጽሑፋት (ሎኮላዜሽን) ወዘተ) ዓለምለኻዊ መራሒ ዕዳጋ ስለዝኾንና፡ ዓለማዊ መዐቀኒ ዘማልአ ኣገልግሎታት ንውልቀሰባትን ትካላት ቢዝነስን ክንህብ ክኢልና ኣሎና። 100% ቅኑዕ ትርጉማት ንዓማዊልና ንምርካብ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻት መስርሕ ትርጉም፡ ቀጻሊ ምክትታል ብቕዓት ነካይድ ኢና። ናይ ኣእምሮ ሰላም ምርካብኩም፡ ንብሉግሎብ የገድስ እዩ፤ እቲ ክትረኽብዎ ዘድልየኩምን ትጽቢት እትገብርዎን ብቕዓት ክትረኽቡ ምዃንኩም ብዚበለጸ ንረጋግጸልኩም።

  • 160 ዝኾኑ ቀንዲ ቋንቋታት
  • ኩሉ ፍሉይ ዓውድታት ክእለት
  • ኣዝዩ ተመጣጣኒ ዋጋታት
  • ብቑዕ ዝደረጅኡ ኣገልግሎታት
  • ልዑል ዝደረጅኡ ኣገልግሎት ዓማዊል
  • ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ ዚዓቢ ዘሎ ኩባንያ ኣገልግሎት ትርጉም
  • ዝተመስከረሎም 100 ወሃብቲ ኣገልግሎት ቋንቋ
  • ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ምኽሪ እትህብ ጉጅለ
  • 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፣ 7 መዓልታት ኣብ ሰሙን ኣገልግሎት ይህብ

እቲ ዘለና 10-ዝደረጅኡ ፕሮግራም ምርግጋጽ ብቕዓት

ነቲ ደረጃ ብደረጃ ዚኸይድ ዘለና ፕሮግራም ምርግጋጽ ብቕዓት ብምኽታል፡ ኣብ ኩሉ ፕሮጀክትታት ትርጉም ትግርኛ ልዑል ዚኾነ ብቕዓት ከምዚህሉ ንገብር፥

  1. ነፍስወከፍ ፕሮጀክት ትርጉም ትግርኛ፡ ብብቑዕ ሓላፊ ፕሮጀክት ይምርመር
  2. ዝርዝር ውጥን ትርጉም፡ ብሓላፊ ፕሮጀክት ይዳሎ
  3. ፕሮጀክት ትርጉም፡ ንብቑዕ ተርጓማይ ይውሃብ
  4. ነቲ ፕሮጀክት ተባሂሉ ፍሉይ መዝገብ ትርጉም ቃላት ይዳሎ
  5. ነቲ ፕሮጀክት ተባሂሉ ብኮምፕዩተር ተሓጊዝካ ዚትግበር ትርጉም (CAT-tool) ፕሮግራም ይዳሎ
  6. እቲ ፕሮጀክት ድማ ናብ ትግርኛ ይትርጐም
  7. ምክትታል ቁጽጽር ብቕዓት፡ ኩሉ ግዚ ይካየድ
  8. እቲ ዚተተርጐመ ጽሑፍ ብመሰረት እቲ ዚተሓተተ ቅዲ (DTP) ይዳሎ
  9. እቲ ዚተተርጐመ ጽሑፍ ብምልኡ ብመበቆላዊ ተዛራቢ ቋንቋ ን2ይ ግዜ መኣረምታ ይካየደሉ
  10. ናይ መወዳእታ መርመራ ድማ ብተርጓማይን ሓላፊ ፕሮጀክትን ይግበረሉ - ድሓር ንዓሚል ይርከብ

እቲ ምስ ብቑዓት፣ ክኢላታትን ሞያውያንን ተርጐምቲ ዘለና ዓለምለኻዊ ምትእስሳር ድማ ዓቕሚ ብሉግሎብ፡ ዋላውን ጸቢብ ገደብ ግዜ ንዘለዎ ዓቢ ፕሮጀክት ብቕልጡፍ ተሰሪኹ ከምዚርከብ ይገብሮ። እቲ ዘድልየኩም ትርጉም ካብ ምንጪ ቋንቋ ናብቲ ዚትርጐመሉ ቋንቋ ማለት ትግርኛ ናብ እንግሊዝኛ (ኣሜሪካ)፣ እንግሊዝኛ (ኣሜሪካ) ናብ ትግርኛ ወይ ድማ ካልእ ጉጅለ ቋንቋታት (ፈረንሳይኛ-እንግሊዝኛ (ኣማሪካዊ))፣ ቻይንኛ-ሩስያኛ፡ ወዘተ) ይኹን ብዘየገድስ፡ ሓቅነትን ብቕዓትን ዝተተርጐመ ጽሑፍ ኣብ ብሉግሎብ ኢንተርናሽናል ውሑስ እዩ።

መጠናት ዋጋ ትርጉም - ቋንቋ ትግርኛ

ሓያሎ ረቛሒታት (ፍሉይነት ጽሑፍ፣ ዝተሓተተ ገደብ-ግዜ፣ ብዝሒ ቃላት ፕሮጀክት፣ ቅዲ (ፎርማት) ሰነድ፣ ወዘተ)፡ ንዋጋ ፕሮጀክት ትርጉም ይጸሉ እዩ። ትኽክለኛ ዋጋ ንምፍላጥ፡ 'Request a Quote' ንዚብል ብምጥዋቕ፡ ነቲ ቅጥዒ ብቐጥታ ኣብ ኢንተርነት ምልኡ። ሕቡእ ተወሳኺ ወጻኢ ገንዘብ ከይገበርኩም፡ ነቲ ትኽክለኛ መጠን ዋጋ ንምድላው ዘድሊ ኣገዳሲ ሓበሬታን ሰነድን ብምሃብ፡ ነቲ ዚትርጐም ጽሑፋት ኢ-መይል ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ንሕና ብሉግሎብ ኢንተርናሽናል፡ 24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፣ 7 መዓልታት ኣብ ሰሙን ንዓማዊልና ንምግልጋል ኩሉ ግዜ ዝተዳለና ኢና! እቶም ምቕሉላት ሰራሕተኛታትና ድማ ኣብቲ እተቕርብዎ ፕሮጀክት ንኽሕግዝኹም ዝከኣሎም ኩሉ ነገር ክገብሩ እዮም።

ኦፐሬተር ተሌፎን ቋንቋ፥
እንግሊዝኛ
+1.541.330.0450 (USA)

ዘለና ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ኢ-መይል (24/7)፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎት ይህብ፥
እንግሊዝኛ - ሩስያኛ - ስጳንኛ - ቻይንኛ - ፈረንሳይኛ - ጃፓንኛ
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ብሑትነትን ኣገልግሎትን

ብሑትነት ዓማዊልና፡ ንብሉግሎብ ኢንተርናሽናል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሎም ጽሑፋት፣ ፕሮጀክትታት፣ ኢ-መይላት፣ ደብዳቤታት፣ ሰነዳት ወዘተ፡ ብመሰረት ጽኑዕ መምርሒታት ብሑትነት ክዕቀቡ ምዃኖም ነረጋግጽ። ሸቶና፡ ነፍስወከፍ ዓሚል በቲ እንህቦ ኣገልግሎት ክሕጐስን ክትኣማመንን እዩ፤ ብኽብረትኩም ንመርበብ ሓበሬታና ከፊትኩም ብምርኣይ፡ ንዘለና ፖሊሲ ብሑትነት ገምግሙ። እዚ ገጽ’ዚ፡ ዓይነት እቲ እንእክቦ ሓበሬታ፣ ብኸመይ ሓለዋ ክምዚግበረሉን ምርጫታት ዓማዊልና ኣብ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ብዝምልከት ንዓማዊልና ይሕብር። ኣብቲ እንህቦ ኣገልግሎታትን ብሑትነትን ንዘለና ምሉእ ተወፋይነት ብምልኣት መታን ክትርድኡ፡ ንፖሊሲ ብሑትነት ክትቀድሑ (ዳውንሎድ) ክትገብሩ ንላበወኩም። ኣብቲ እትህብዎ ርእይቶን ተሳታፍነትኩምን ድማ ንግደስ ኢና! ብሉግሎብ ድማ ኣብቲ እንህቦ ኣገልግሎት፡ ልዑል ዝደረጃኡ ሓቅነትን መዳርግቲ-ኣልቦ ተወፋይነትን ከምዝህሉ ብምግባር፡ ኩሎም ዓማዊል፡ በቲ ዝህብዎ ፕሮጀክትታትን ውልቃዊ ሓበሬታን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትካልና እምነት ከምዘሕድሩ ገይሩ እዩ። እቶም ዳግማይ ዝመጹና ዓማዊል፡ ዝዓበዩ ሃብትና እዮም።

ብ ተተርጒሙ Sayeed Languages Services

 

feed-image Feed Entries

Get your FREE QUOTE now or call us directly at 1.541.330.0450 or 541.213.8526 (USA)


Warning: session_write_close() [function.session-write-close]: write failed: Disk quota exceeded (122) in /home/blueglob/public_html/libraries/joomla/session/session.php on line 556

Warning: session_write_close() [function.session-write-close]: Failed to write session data (files). Please verify that the current setting of session.save_path is correct (/tmp) in /home/blueglob/public_html/libraries/joomla/session/session.php on line 556